ድልድል ስውኣት

ድልድል ሰማእታት፣ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኡኣራ ዝርከብ ገደል ክሳብ ኣብ ጥቓ ምራራ ዝርከብ ኣኽራናት 10 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን እዩ። ስፍሓቱ 16 ሜትሮ ኮይኑ ድርብ ደርቢ ኣለዎ። እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ ክፉት ኣየር ዝርከብ ቤተ መዘክር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ታሕተዋይ ደርቢ ድማ ንኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ብሽክለታን ዝኸውን እዩ። ቁልፊ መለለዪታት፤ 1. ታሪኻዊ ጉዕዞ፡- እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ካብ 1ይ ክሳብ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ሓሙሽተ ዘመናት ዝተኸፋፈለ ናይ ልዕሊ 3000 ዓመት ታሪኽና ይዝንቱ። 2. ሓወልታዊ ቀስቲ፡- ኣብ መእተዊ 80 ሜትሮ ቁመት ዘለዎን 60 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ፣ ንጀጋኑ ስውኣትና ክብርን ዝኽርን፣ ምልክት ሃገራዊ ሓበን ቀስቲ ኣለዎ። 3. ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ንብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ብሽክለታን ክኸውን እዩ። 4. እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣግራብን ዕምባባታትን ዘለዎም ሓምለዋይ ቦታታት ብምህላዎም ደስ ዘብል ሃዋህው ይፈጥር። 5. 60% ቁልቁለት ዘለዎ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝፈስስ ንምርእዩ ኣዝዩ ዘደንቅ ማይ ጃሕጃሕ ይህልዎ። 6. ጽባቐ ዘለዎ ትርኢት፦ እቲ ድልድል ንገደል፡ ኣኽራንን ባሕርን ዝርኢ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ሰሓቢ ናይ በጻሕቲ ቦታ ይገብሮ።

ድልድል ሚኖራ

ድልድል ቀንደአል 7 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ኮይኑ 60 ሜትሮ ስፍሓት ይህልዎ። ቁልፊ መለለዪታት፤ 1.እዚ ድልድል እዚ፣ ብካብ ንላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘልዎም ዕንባባታትን ማይ ጃሕጃሕን ንዓይኒ ዝማርኽ ድልድል እዩ። 2. ላዕለዋይ ደርቢ፡- እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ ክፉት ኣየር ዝርከብ መናፈሻ ኮይኑ፡ ናይ እግሪ መገዲ፡ ሓምላይ ቦታታት፡ ቤት መግቢን እንዳ ቡንን ኣለዎ። 3. ታሕተዋይ ደርቢ፡- ታሕተዋይ ደርቢ ንብሽክለታን ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ መካይንን ዝተሓዘ እዩ። 4. ሓወልትን መናፈሻታትን፦ ሓደ ንባሕሪ ገጹ ዝጥምት ሓወልቲ ቀንደል ኣልዎ።

ድልድል ቢዘን

ድልድል ቢዘን 16 ኪሎ ሜተርን ንውሓት፣ 60 ሜትሮ ጎኒን ዘለዎ፣ ገደል ከተማ ምስ ገዳም ደብረ ቢዘን ዘራኽብ እዩ። ቁመት እቲ ድልድል ካብ መሬት 700 ሜትሮ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ 2500 መትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዓሪጉ ዝርከብ ኣዝዩ ዘደንቅ ድልድል እዩ። ቁልፊ መለለዪታት፤ 1. ላዕለዋይ ደርቢ፦ እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ ክፉት ኣየር ዝርከብ መናፈሻ ኮይኑ፣ ናይ እግሪ መንገዲ፣ ሓምላይ ቦታታት፣ ቤት መግብታትን እንዳ ቡንን ኣለዎ። 2. ታሕተዋይ ደርቢ፡- ታሕተዋይ ደርቢ ንብሽክለታን ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ መካይንን ዝተሓዝአ እዩ። 3. ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ገዳም ዝርከብ መናፈሻ፦ ኣብ ጫፍ ገዳም ዝርከብ መናፈሻ ቤተ መቕደስ ቢዘን፣ መልክዓ ምድሪ ዝተሰርሑ ቦታታትን ንሃይማኖታዊ ሰበስልጣን ዝኸውን ቤት ፅሕፈትን ዘጠቓልል እዩ። 4. ጽባቐ ዘለዎ ትርኢት፦ እቲ ድልድል ንባሕርን ኣኽራንን ዘደንቕ ትርኢት ኣለዎ። 5. ቁመትን ንውሓትን፡- ቁመትን ንውሓትን እቲ ድልድል ንህንጸት ድልድል ሓድሽ ደረጃታት ኣቐሚጡ።

ድልድል እስመራ-ባጽዕ

እቲ ንኣስመራን ባጽዕን ዘራኽብ ሓድሽ ገፊሕ መገዲ፡ ካብ ልዕሊ 2500 ሜትሮ ጽፍሒ ባሕሪ ርሒቓ እትርከብ ኣስመራ ምስ ትሕቲ 100 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዘራኽብ’ዩ። ቁልፊ መለለዪታት፤ 1. ድርብ ደርቢ፡- እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ንኣውቲስታ ዘይብለን ኤሌክትሪክ መካይንን ብሽክለታን ዝተሓዝአ እዩ። እቲ ታሕተዋይ ደርቢ ንባቡራት ተሳፈርትን ጽዕነትን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ስሉጥ ምንቅስቓስ ሰባትን ኣቑሑትን ክፈጥር እዩ። 2. እቲ ዓቀበት ናይ’ቲ መገዲ ናብ 1.02 ዲግሪ ግራድየንት ብምግባር፣ እተን መካይን ዳርጋ ኣብ ጎልጎል ይኸዳ ከም ዘለው ብምግባር፣ ጸዓት ክቁጥብን፣ ፍጥነት እተን ተሽከርከርቲ ክውስኽን እዩ። 3. ዘላቒ መጓዓዝያ፡- እቲ ንመራሕ መኪና ዘይብለን ኤሌክትሪክ መካይንን ብሽክለታን ዝኸውን ውፉይ መስመራት፡ ንከባቢ ዝምችእ መጓዓዝያ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ኣብ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ምጽጋዕ ክቕንስን ልቀት ልቀት ክቕንስን እዩ።