ድልድል ስውኣት
ድልድል ሰማእታት፣ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኡኣራ ዝርከብ ገደል ክሳብ ኣብ ጥቓ ምራራ ዝርከብ ኣኽራናት 10 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን እዩ። ስፍሓቱ 16 ሜትሮ ኮይኑ ድርብ ደርቢ ኣለዎ። እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ ክፉት ኣየር ዝርከብ ቤተ መዘክር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ታሕተዋይ ደርቢ ድማ ንኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ብሽክለታን ዝኸውን እዩ።
ቁልፊ መለለዪታት፤
1. ታሪኻዊ ጉዕዞ፡- እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ካብ 1ይ ክሳብ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ሓሙሽተ ዘመናት ዝተኸፋፈለ ናይ ልዕሊ 3000 ዓመት ታሪኽና ይዝንቱ።
2. ሓወልታዊ ቀስቲ፡- ኣብ መእተዊ 80 ሜትሮ ቁመት ዘለዎን 60 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ፣ ንጀጋኑ ስውኣትና ክብርን ዝኽርን፣ ምልክት ሃገራዊ ሓበን ቀስቲ ኣለዎ።
3. ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ንብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ብሽክለታን ክኸውን እዩ።
4. እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣግራብን ዕምባባታትን ዘለዎም ሓምለዋይ ቦታታት ብምህላዎም ደስ ዘብል ሃዋህው ይፈጥር።
5. 60% ቁልቁለት ዘለዎ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝፈስስ ንምርእዩ ኣዝዩ ዘደንቅ ማይ ጃሕጃሕ ይህልዎ።
6. ጽባቐ ዘለዎ ትርኢት፦ እቲ ድልድል ንገደል፡ ኣኽራንን ባሕርን ዝርኢ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ሰሓቢ ናይ በጻሕቲ ቦታ ይገብሮ።