ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ቀረባ

ልዑል ስነ-ስርዓት ምርግጋጽ ቀንዲ ዕላማና፣ ኣዝዩ ልዑል ስነ-ስርዓት ዘለዎም ሰራሕተኛ ምቅራብ እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት፣ ኣዝዮም ስነ-ስርዓት ዘለዎም፣ ብቅዓት ንክህልዎም ካኣ ብቀጻሊ ልምምድ ክወስዱን ምክትታል ክግበረሎምን እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ብመሳርዕ፣ ብጋንታታን ሓይሊታትን ተወዲቦም፣ ተሰሪዖም ንሳርሕ ይኸዱን፣ ተሰሪዖም ካኣ ካብ ስራሕ ይምለሱን።

ልዑል ስነ-ስርዓት ዘለዎ

ኢንዱስትሪ ሕርሻ ስጋ ደርሆ፡ ክልተ ሰፋሕቲ ሕርሻታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም 45 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ እዮም። ሓደ ሕርሻ ኣብ ማእከላይ ከበሳ፡ ኣስታት 30 ኪ.ሜ ንሰሜን ካብ ዓሊቦን 40 ኪ.ሜ ንደቡብን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሕርሻ ድማ ኣብ ከባቢ ናቕፋ ክኸውን እዩ። እዞም ሕርሻታት ብሓባር መዓልታዊ ንመሕረዲ ዝኸውን 25 ሚልዮን ደርሆ ዘፍርዩ ኮይኖም፡ ድልዱልን ዘላቕን ስርዓተ ምፍራይ ደርሆ ብተመጣጣኒ ዋጋን ብቕዓትን ከረጋግጹ እዮም።

ብትሑት ዋጋ ናብ ባህላውን መንፈሳውን ስፖርታውን ትካላት ምብጻሕ 

እቲ መደቀሲ ኣዝዩ ውሑስን ምቹእን መነባብሮ ዝህብ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ 42 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ክፍሊ 12 ሰራሕተኛታት ክሕዝ እዩ። ሽዱሽተ ላዕልን ታሕትን ዓራት፡ ናይ ብሕቲ መቀመጢ ንብረት ናይ ሰራሕተኛ ወዘተ ይርከብዎ። ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ናይ’ቲ መደቀሲ፣ ድኳናት፡ ቤት መግብታትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ኣለውዎ። ሰራሕተኛታት ኣብ ዘመናዊ ሻወር፣ ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰራሕተኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም ብሕታዊ ሽቃቅ፣ ኢዶም፣ ጭሕሞም ዝሰድሉ መሕጸቢ ክህልዎም እዩ። ኣብ ኣዝዩ ጽርየትን ስርዓትን ዘረጋግጽ ብጥንቃቐ ዝተሓለወ መሳለጥያታት ዘለዎ መደቀሲ፣ ጥዑይ መነባብሮ ከስተማቕሩ እዮም።

ማሕበራውን ማእኸላይን ልዑል ፅሬት ዘለዎ ስርዓተ ምምጋብ

ኩሎም ሰራሕተኛታት፣ መግቦም ኣብ ፋብሪ ካተሰሪሑ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ደርቢ ናይ’ቲ ህንጻ ዘሎን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ቤት-መግቢታት ይምገቡ። ስለ’ዚ ሰራሕተኛታት መግቢ ንምስራሕ ምውጣን፣ ምድላው ወይ ምጉዕዓዝን ኣየድልዮምን እዩ። ብዘይካ’ዚ እቶ ምሰራሕተኛታት ኣዝዩ ዝተመጣጠን ማኣዛታት ዘልዎ መግቢ ክረኽቡ፣ ጥዕናኦም ኣፍራይነቶም ክሕሎ ክሕግዝ እዩ።

ካብ ኮሚሽን ነጻ ዝኾነ ምልመላ.

Commission-free recruitment is available through our recruiting agencies, ensuring no additional costs for hiring.

ኣዝዩ ትሑት ወጻኢታት ዘለዎ መድሕናት መሰረት ክንክን ጥዕና

ሰራሕተኛታት ብኣዝዩ ትሑት ዋጋ ኣብ መድሕን ዝተመርኮሰ ኣጎልጉሎት ክንክን ጥዕና ክህልዎም እዩ። እዚ ፍሉይ ኣጎልጉሎት ናይ ክንክን ጥዕና ኣብ ካልኦት መደቀሲ ሰራሕተኛታት ዘየለ፣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃገርና ክይሉ ኣዩ። እዚ ካኣ ኩለ መዳያዊ ሽፋን ክንክን ጥዕና ናይ ሰራሕተኛታትን ብምርግጋጽ፣ ጥዕናኦም ዝተሓለወ፣ ምቹእ ናብራ ዘለዎም ኣፍረይቲ ሰራሕተኛታት ክህልውና ከረጋግጽ እዩ።

ነጻ ስልጠና

ሰራሕተኛታት ብዘይ ዝኾነ ወጻኢታት ክእለቶምን ብቅዓቶምን ዘዕብዩሉ ነጻ ስልጠናታት ክረኽቡ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ሞያዊ ምዕባለኦምን ሓፈሻዊ ኣፍራይነቶምን ሓያል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ።

ብትሑት ዋጋ ናብ ባህላውን መንፈሳውን ስፖርታውን ትካላት ምብጻሕ

ሰራሕተኛታት ዝዛናግዑሉ ህዝባዊ ርባዓት፣ ኣካላዊ ምውስዋስ ዝገብርሉ፣ ኩዑሶ እግሪ፣ ኩዑሶ ሰኬዔት፣ ኩዑሶ መርበብን ካልኦት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዘካይድሉ ናይ ስፖርት ርባዓት፣ ከም’ኡውን ጸሎት ዝገብርሉ መንፈሳዊ ቦታትን ካብ መደቂሲኦም ካብ 500 ሜትሮ ዘይርሕቅ ብትሑት ዋጋ ወይ ብነጻ ክህልዎም እዩ። እዚ ድማ ናይ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ ምቹእነትን ዕግበትን ብምፍጣር፣ ሓፈሻዊ ኣፍራይነት ይድርኽ።

ነጻ ኣገልግሎት ሓዋላ

ሰራሕተኛታት ነጻ ናይ ሓዋላ ኣገልግሎት ክህልዎም እዩ። እዚ ድማ ልዑል ክፍሊት ናይ ኮሚሽን ብምውጋድ፣ ዝያዳ ንክቑጥቡ ከኽእሎም እዩ።